ኣብ ዳርጋ ሲሶ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፥ ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ከም ዘየለ ተገሊጹ።
ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ምግባር ኣብ ምክልኻል ገበን ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ይንገር።
ብተወሳኺ፡ ብግምት ኣብ 3 ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስቲ ብቢዩፒ ዝፍለጥ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን
መንእሰያትን ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዘይብለን ካብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ ትካል ን1500 ብዘይ
መደብ ዝተመርጻ ኣብያተ ትምህርቲ ዳህሳስ ምክያዱን ፡ ካብዚኦም ብግምት 43% ሚእታዊት መልሲ ምሃቦምን ሬድዮ ሽወደን
ገሊጻ’ላ።