ኣብ ሽወደን ብኤለትሪክ ዝሰርሓ ላምብሬታ ብዝምልከት ገለ ቊጽጽር እኳ እንተተገብረ፥ ዛጊት ብዙሓት ሰባት ነዘን ላምብሬታ
ንምዝዋር እንታይ ዓይነት ሕጊታት ክስዕቡ ከም ዝግብኦም ርጉጽ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም፥ ሬድዮ ሽወደን P3 ኣጣሊላ’ላ።
ንፈለማ ግዜ ካብ ዝተኣታተዋ ኣትሒዘን፥ ብኤለትሪክ ዝሰርሓ ላምብሬታ ብዜጋታት ሽወደን ኣዝየን ፍቱዋት ኮይነን እየን ጸኒሐን።
ኣብ ሓሙሽተ ዝበለጻ ሞዴላት እዘን ላምብሬታ ዝሸጣ ዱካናት ድሕሪ ዘካየደቶ ዳህሳስ፥ ሲሶ ካብዘን ላምብሬታ ክሳብ 20
ኪ/ሜትር ኣብ ሰዓት ክጓዓዛ ዝኽእላ ብምዃነን ምስ ብሽክለታ ከም ዝጽብጸባን፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ጎደና ክዝወራ ከም
ዝኽእላን ሬድዮ ሽወደን P3 ገሊጻ’ላ።
ብርክት ዝበሉ ሸመትቲ፥ እዘን ላምብሬታ ሓያል ሞተር ስለ ዘለወን፥ ዘወርተን ኣብ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ከመዝግብወንን
ፍቓድ ከውጽኡለንን ከም ዘለዎም ግንዛበ የብሎምን–ክትብል እታ ሬድዮ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።