ብዝሒ ናይቶም ዜግነት ኖርወይ ንኽወሃቦም ዝሓቱ ዘለዉ ሽወደናውያን ምስቲ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 3000% ምውሳኹ፡ ኖርወጃዊ ህዝባዊ መደበት ተሌቭዥን NRK ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ መጠን ቁጽሪ ዝወሰኸሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ፡ ድርብ ዜግነት ንኽህሉ ዘፍቅድ ሕጊ ምዃኑ እቲ መደበር ገሊጹ።
ካብ ወርሒ ጥሪ 2020 ክሳብ ወርሒ ሰነ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 8137 ሽወደናውያን፡ ዜግነት ኖርወይ ንኽወሃቦም ክሓቱ እንከለዉ፡ ኣብ ዓመተ 2019፡ እቲ ቁጽሪ፡ 261 ምንባሩ ይዝከር።
35 ሽሕ ሽወደናውያን፡ ኣብ ኖርወይ ከምዝነብሩ ይፍለጥ።