ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ እንዳ ዓበይቲ ዝርከቡ ሽማግለታት ብሕታውነት ብዘስዓቦ ስነ ኣእምሮእዊ ጽልዋ የሕድረሎም ምህላዉ ተሓቢሩ።
ብርክት ዝበሉ ሽማግለታት ናብቲ ማይንድ ዝበሃል መኽሰብ ዘይብሉ ትካል ብምድዋል ትርጉም ሂወት ጠፊእዎም ምህላዉ ገሊጾም ተባሂሉ። ኣብ ዘረባ እዞም ሰባት ርኡይ ለውጢ እዩ ዝረአ። ንሳቶም ኣዝማዶም ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎምን ብምሕላሎምን ብህይወት ምቕጻል ትርጉም ክህቦም ከም ዘይከእለን እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ ክትብል ኣብዚ ትካል ብወለንታ እትሰርሕ ማርጋሬታ ሶደርስትሮም ትሕብር።
ንብዙሕ ዓመታት ምስ ኣረጋውያን ሰሪሐ እየ። ድሕሪ ለበዳ ኮሮና ዝዕዘቦ ዘለኹ ግና ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ብርክት ዝበሉ ኣረጋውያን ምሒር ብምህሳዮም ናይ ምንባር ሸውሃቶም ከም ዘጥፍኡን ባዕሎም ብሞት ክገላገሉ ከም ዝሓስቡን እዮም ዝገልጹ ክትብል ትሕብር።
በዚ ድማ ኣረጋውያን ኣብዚ እዋን ለበዳ ዝያዳ ኣቓልቦ ከም ዘድልዮም ግልጺ ኮይኑ’ሎ።
ካብ ወርሓ መጋቢት ክሳብ ግንቦት 2019 ማይንድ ጻውዒት ናይ 1200 ኣረጋውያን መሊሱ ኔሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይዚ ዓመት ግን እቲ ኣሃዝ ናብ 6600 ክብ ምባሉ ናይዚ መርኣያ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ብምዕዛብ ዝያዳ ሰራሕተኛታት ቈጺርና ኣሎና ክትብል ዳይረክተር ማይንድ፡ ካቲን ሹልዝ፡ ትሕብር።
ብመሰረት ሶደርስትሮምን ካልኦት ኣለይትን፡ እዞም ኣረጋውያን ቀንዲ ዘፍርሆም ሕማም ኮሮና ዘይኮነ ምስ ደቈምን ደቂደቆምን ክራኸቡ ዘይምኽኣሎም እዩ። በዚ ድማ ” ምንባርና ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ኣሎ” ዝብል መረረ ኣጥቂዕዎም ኣሎ ክትብል ሶደርስትሮም ትገልጽ።