ኣብ ሽወደን ብዘሎ ሕጽረት መማህራን ብዙሓት ድሕሪ 65 ዓመት ዕድሚኦም ናብ ስራሕ ይወፍሩ ምህላዎም ተገሊጹ። ብመሰረት ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር እዚ ተርእዮ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመይ ምስ ዝነበሮ ብምንጽጻር ብዕጽፊ ዓብዩ’ሎ። ብመሰረት እዛ ጋዜጣ ዛጊት 3300 መማህራን ድሕሪ 65 ዕድሚኦም ኣብ ስራሕ ይወፍሩ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ። ብመሰረት እታ ሬድዮ ዋሕዲ መማህራን መባእታ ደረጃ ቀንዲ ማሕነቖ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።
እዚ ሽግር ናይ ሕጂ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ እውን ዝቕጽል ከም ዝመስል ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ስግኣታት ከም ዘለወን ይገልጻ። ኣብዚ ዳህሳስ ቃለን ዝሃባ 129 ምምሕዳራት ከተማ ኲነታት መማህራን ካብቲ ዓሚ ዝነበሮ ምንም ከም ዘይተለወጠ ዛጊት 17 ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ኸኣ ኲነታት ከም ዝተጋደደ ምግላጸን ተሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዳህሳስ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን መማህራን ክቘጽራ ይዳለዋ ምህላወንን ማልም ዛጊት ናይ 20 መማህራን ሕጽረት ከም ዘለዋን ተመልኪቱ’ሎ።