ሰበ መዚ ዓዲ እንግሊዝ ን23 ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታተ ዘሳልጡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ሓቢሩ። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ነቶም ብመንገዲ ኢንግሊሽ ቻነል ወይ ድማ ብመንገዲ ዓበይቲ መካይን ናብ ኤውሮፓ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ሰደተኛታት ዘይ ሕጋዊ ቪዛ ዘሳልጡ እዮም። ዘቤታዊ ቤት ጽሕፈት ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ኣብ ዘቃልሖ መግለጺ: ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ: 11 ሰባት ኣሰገርቲ ኮይኖም ኢንግሊዛውያን: ኢራናውያንን ዒራቓውያንን እዩም። ንሰደተኛታት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ብመንገዲ ኢንግሊዝ ቻነል ነኽሰግሩ ኣሰሊጥኩም ዝብል ክሲ ቐሪብሎም አሎ።
መስርሕ መትሓዝ ናይዞም አስገርቲ ብመንገዲ አንጻር ገበን ዝነጥፍ ብሪቲሸ ኦርጋናይዝድ ክራይም ኤጄንሲ ዝተባህለ ትካል ኣብ መንጎ 11 ን 21 መስከረም አብ ሰሜን ፈረንሳ ምቁጽጻር ዶባት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈጸመ እዩ። ብዝሒ ናይቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ገማግም ፈረንሳ ንዓዲ እንግሊዝ ብመንገዲ ኢንግሊሽ ቻነል ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ከም ዝዛየደ ይንገር። ሽሕ‘ካ እዚ መስመር‘ዚ ሓደ ካብቶም ጻዕቂ ምንቅስቓስ ዘለዎም መሰመራት እንተኾነ: ሓያል ማዕበልን ክቱር ዛሕሊ ዘለዎ እንተኾነ ሰደተኛታት በዚ መሰመር ንኸሰግሩ ቀጻሊ ፈተነታት የካይዱ።
ሰብ መዚ ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ወይ ንምጉዳል ሓባራዊ ናይ ሓለዋ ዶባት ሰርሒት ምትግባር: ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተሪር ምቁጽጻር ክገብራ: ብካሜራ ናይ ድሮን ተጠቂመን ዘይሕጋዊ ዝኾነ ምንቅስቓስ ንኽከታተላ ተሰማሚዐን። እዚ ዝተቓልሐ ስርሒት ምትሓዝ ዘይሕጋውያን አሰገርቲ ናይ ፈለማ ግዜ ከም ዘይኮነ ይዝከር። ቅድሚ ሕጂ ዝተታሕዙ ኣስገርቲ ተኣሲሮምን ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ተበይንሎም ነይሩ። ገሊኦም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ዝኾነ ምክተታል ይርከቡ።