ብማእከላይ ገምጋም ብውሕዱ ሰለስተ ብረታት መዓልታዊ ናብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ይኣቱ ምህላዉ ጒምሩኽ ሽወደን
ገሊጹ። እዚ ብረታት ብ ድልድል “ኡረሱንድ” ብ ነዊሕ ርሕቀት ከም ዝጎዓዓዝ ነዚ ብረታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሽወደን ዘእቱ
ዝነበረ ሰብ ን ሬድዮ ሽወደን “ፕሮግራም ዶኩመንታር” ገሊጹ’ሎ።
ናብ ሽወደን ብረታት ሓቢእካ ምእታው ከቢድ ኣይኮነን፥ ሽወደናዊ ዜጋ እንተዄንካ ዝፍትሸካ የለን" ክብል እቲ ፈጻሚ ገበን ን
ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።