ብውልቃ እትወዳደር ፖለቲከኛን ኣባል ባይቶን ኣሚና ካካባቬ፡ ን ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝጸንሓ ደገፍ ክትስሕብ ምውሳና ኣፍሊጣ። ብምኽንያት ኣብ ዝተፈላለያ ቀጽሪታት ባይቶ ዘሎ ሚዛን፡ እዚ ድምጺ ካካባቭ ወሳኒ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ካካባቭ ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ነቶም ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ጒጅለታት ኩርድ እንድሕሪ ደጊፉ፡ ኣምሳያኡ ነቲ ሰልፊ ደገፋ ክትህቦ ምዃና ገሊጻ ምንባራ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ስልጣን መንግስትነት ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ነዚ ክስዕብ ስለ ዘይተራእየ፡ ኣብ ኣገደስቲ ጒዳያት ነቲ ሰልፊ ደገፋ ከም ዘይትህቦ፡ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ’ላ።