ብመንገዲ መርበብ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ካብ ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ንዝመጽእ ስግኣት እናዛየደ ይኸይድ ምህላዉን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብምውካስ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ተኽእሎታት ከምዘሎ ካብ ሽወዳናዊ ትካል ናይ ምክልኻል ምርምር (FOI) ዝወጸ ናይ መጠንቀቕታ ጸብጻብ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ስለላ ሽወደን (SÄPO) ብወገኑ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ከምዝደገፎ ሬድዮ ኢኮት (EKOT) ሓቢሩ።
ናይ ሕሉፍ የማን ኣተሓሳስባ፡ ጎነጽን ንዝሓለፉ ናይ ሕሉፍ የማን ኣታሓሳስባ ዝነበሮም ሰባት ምሙጋስን፡ ዝኣመሰሉ ኣተሓሳስባ ንኸስርጹ ብዙሓት ሽወደናውያን ኣብ መርበብ መራኸቢ ብዙሃን (internet) ይነጥፉ ከምዘለዉን እተን ዝበዝሓ መርበባት ድማ ብቋንቋ እንግሊዝ ከም ዝኾና እቲ ትካል ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ኖርወይ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኒዊዚላንድን በቶም ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ተኻይዶም ከምዝነበሩን ከምውጽኢቱ ድማ ኣማኢት ሰባት ከምዝሞቱን ይዝከር። ብዝሒ ናይቶም ሕሉፍ የማናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ይውስኽ ከምዘሎን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕታት ክፍጸሙ ከም ዝኽእሉ ቤት ጽሕፈት ስለላ ሽወደን ኣብ ዝሓልፈ ክረምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።