ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ ንጥፈታት ናይቲ ብካርድ ዝግበር መስርሕ ክፍሊት ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ። ንጥፈታት መስርሕ ክፍሊት፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ3% ከምዝተሓተ ስዌድ ባንክ ሓቢሩ።
መጠን ሃልኪ ዓይነታት መግቢ ብምውሳኹ፡ እቲ ብካርድ ናይ ምኽፋል መስርሕ ከምዝተመሓየሸን በንጻሩ ድማ እቲ ኣብ ምዝንጋዕ፡ ባህላዊ ንጥፈታትን ጉዕዞታትን ዝተራእየ ዝሕታለ ነቲ ክኸውን ዝነበሮ ምምሕይሽ ኣገባብ ኣከፋፍላ ከምዝጎተቶ ተሓቢሩ። ንኣብ መግቢ ዝግበር ኣገባብ ኣከፋፍላ ከይሓወስካ፡ ብካርድ ዝግበር መስርሕ ክፍሊት፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ10% ምጉዳሉ እቲ ባንክ ሓቢሩ።
ኣብ ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ዝግበር መስርሕ ብካርድ ክፍሊት፡ ናብቲ ናይ ዓሚ ዝነበረ ደረጃ ተቐራሪቡ ምህላዉ ስዌድ ባንክ ገሊጹ።