ኣብ ሺስታሜሳን (Kistamässan)፡ መዓልታዊ ክሳብ 10 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ክህብ ዓቅሚ ዘለዎ ኑቕጣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኸውን ናይ ክታበት ቆጸራታት ብዘይ ጥቕሚ ከምዝባኸነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ጠንቂ ናይዚ ጉዳይ እንታይ ምዃኑ ክግምግም የሸግረኒ እዩ ክብል ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ብምምሕዳር’ቲ ከባቢ ናይ ክታበት ሓላፍነት ዝተዋህበ፡ ትካል ዌርላብስ፡ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ነሂተር ኣብ ዝካየዶ ርክብ ገሊጹ።
ተመሳሳሊ ተርእዮታት፡ ኣብቲ ትካል ቺ (KRY) ሓላፍነት ወሲዱ መስርሕ ክታበት ዘካይደሉ ዘሎ ከባቢታት ሪንኪቢን ናካን ውን የጋጥም ከምዘሎ፡ ጋዜጣ ዳገንስ፡ ገሊጹ።
ራብዓይ መድረኽ ክታበት ንኽጅምር ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ምኽሳቶም፡ ንመስርሕ ክታበት ከደናጉዮ ከምዝኽእል ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ማግኖስ ቲቤይ፡ ገሊጹ። ኣብ ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ናይ ክታበት ቆጸራታት ክሕዙ እዮም ክብል ብምውሳኽ ገሊጹ።