ቁጽሪ ናይቶም ብመልክዕ ምልማን ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ብቐጻሊ ይዛይድ ከምዘሎ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። ዝሓለፈ ዓመት 12 ሰባት ብገበን ንግዲ ደቂ ሰባት ተኸሲሶም ነይሮም፡ ካብተን ዝሓለፋ ዓመታት እቲ ዝበዝሐ ሰባት ዝተመዝገበሉ ዓመት እዩ። ኣብ ዓመተ 2017፡ ክልተ ሰባት ጥራይ በዚ ከምዚ ዓይነት ገበን ተኸሲሶም ነይሮም። እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ናይዚ ከምዚ ዓይነት ገበን ድማ ካብ ሮማንያ፡ ቡልጋርያን ናይጀርያን ዝመጹ ኮይኖም ኣብ ናይ ምልማንን ዝሙትን ስራሓት ዝተዋፈሩ እዮም ክብል ፖሊስ ሽወደን ብምውሳኽ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓልፉ ዓመታት ኣንጻር ገበናት ንግዲ ደቂ ሰባት ዝመጹ ጥርዓናት እናዛየዱ ከምዝኸዱ ኣንጻር ገበናት ዝቃለስ ቤት ምኽሪ (Brå) ሓቢሩ። ንግዳያት ናይ ምሕጋዝ ጻዕርታት ድማ ኣብ ግዜ ክራማት ከምዝውሕድ ማዕከን ዜና ሽወደን TT ገሊጹ። ንግዲ ደቂ ሰባት ዝበሃል፡ እቶም ዝተወደበ ናይ ገበን ጭፍራታት ንኻልኦት ሰባት ብምምዝማዝ ዝፍጽምዎ
• ናይ ምንዝርና ስራሓት
• ናይ ምልማን ስራሓት
• ሕጊ ዘይፈልጦ ስራሕ ምስራሕ ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ ቁጽርታት እንተ ተዓዚብና፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣንጻር ከምዚ ዓይነት ገበን ዝቀረቡ ጥርዓናት ብተዓጻጻፊ ከም ዝበዝሑን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ክረምቲ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትአን መንግስታዊ ትካላትን በዓል መዚን ዓመታዊ ዕረፍቲ ስለ ዝወጹ። ኣንጻር ዝተወደቡ ገበናት ዝነጥፉ መንግስታውያን ትካላት፡ ንገበናት ንግዲ ደቂ ሰባት ንምህዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ከምዘሰልጠነን ንምክትታሎም ድማ ብወገን ዝምልከታ ኮሚቴ ሃንደበታዊ ናይ ምቁጽጻር ዑደት ናብቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ክትገብር ምዃና ተፈሊጡ።