ኣብ ሽወደን ብኮሮናቫይረስ ልዕሊ 2200 ሰባት ግዳይ ሞት ኣብዝኾንሉ፣ ስሚትኺድ ስቶክሆልም ዚብሃል ትካል ነቲ ለበዳ ኣመልኪቱ ኣብ ኮምዩናት ስቶክህሎም ምስ ብዝሒ ተቐማጦ ብምዝማድ ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ ኣሎ። ከተማ ስቶክሆልም እታ ኣዚያ እተጎድአት ክተማ ከም ሙዃና መጥርን፣ ካብ 16,755 እተለኽፉ፡ ኣስታት 6,681 ካብዛ ከተማ እዮም። ካብቶም ኣብዛ ሃገር ዝሞቱ 2,021 ድማ እቶም 1,128 ካብ ስቶክሆልም እዮም።
እቲ ትካል ቀጺሉ ኣብ ኮምዩናት ስቶክሆልም ምስ ብዝሒ ተቐማጦ ኣዛሚድካ ዘሎ ብዝሒ ሞት ብምሕባር፥ እተን ሰለስተ ኣዚየን እተጠቕዓ ኮምዩናት ብ ስታቲስቲክስ ብዝሒ ሞት ኣብ 10 000 ተቐማጦ ብምምልካት ብከምዚ ዝስዕብ ይሰርዔን።
ሪንክቢ / ሺስታ – ብዝሒ ሞት 11.6 ካብ 10,000 ተቐማጦ
ሱንድቢበርይ – ብዝሒ ሞት 9.3 ካብ 10,000 ተቐማጦ
ስፖርንጋ / ተንስታ – ብዝሒ ሞት 9.1 ካብ 10,000 ተቐማጦ ቀዳሞት ሰለስተ ኮይነን።
ትካል ምክልኻል ለበዳ ከተማ ስቶክሆልም ፡ ነቲ ምኽሪ መንግስቲ ብምኽታል ነቲ ዝርጋሐ ለበዳ ክንቅንሶ ከም እንኽእል ይሕብር።