106 ኤርትራውያን፣ 15 ሰማልያውያን ሓደ ሰርያውን ከምእውን 2 ሱዳናውያን ዝረከብዎም 106 ኤርትራውያን ሎሚ ለይቲ ካብ ሊብያ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ኣትዮም። እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት’ዮም ክጸንሑ።
ካንዞም 123 ስደተኛታት እቶም 99 ደቂ ተባዕትዮን 24 ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኮይኖም ዕሜኦም ካብ 3 ክሳብ 23 ዓመት ኮይኑ፡ 59 ትሕቲ ዕድመ ይርከብዎም።
እዞም ብምትሕብባር መንግስቲ ርዋንዳ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተጛዕዙ ስደተኛታትብመሰረት እቲ ኣብ 10 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ርዋንዳ፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ፡ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 500 ዝኾኑ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም’ዩ ኣብቲ እዋን ተነጊሩ ነይሩ።
ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።