ብዙሕ ገንዘብ ኣባኺንካ፡ ዝብል ወቐሳ ዝወረዶ ቀዳማይ ሚኒስተር እሰራኤል ናፍታሊ በነት፡ ወርሓዊ ወጻኢታት ምግቢ ስድራኡ ካብ ጅባኡ ክሽፍን ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሓደ መደበር ተለቪዥን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣዝዩ ምቾት ዝመልኦ ናብራ ከምዝነብርን፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ዘሎ ቀጽሪ ብዙሕ ወጻኢታት ከምዝገብርን ዝምልከት ጸብጻቡ ቀሪቡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ካብ ከፈልቲ ግብሪ፡ ካብ 26 ሽሕን 400 ዶላር ተቘሪጹ ከም ዝወሃቦ፡ ካብዚ ድማ፡ እቲ 7400 ዶላር ወጻኢታት ምግቢ ንስድራኡን ከምዝውዕል ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ናብ ስልጣን ቅድሚ ምጽኡ ሚሊየነር ዝነበረ እዩ።
ናብ ፖለቲካ ዓለም ቅድሚ ምእታዉ ዝውንኖም ዝነበረ ክልተ ገዘፍቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ብ250 ሚሊየን ዶላር ከም ዝሸጠ ዝንገረሉ ናፍታሊ በነት፡ ሕጊ ካብ ዝፈቕደሉ ወጻኢ፡ ዝኾነ ዓይነት ተግባር ከምዘይፈጸመ እዩ ዝምጕት።
ንሱ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምንጻግ፣ ድሕሪ ሕጂ ወጻኢታት መግቢ ስድራኡ ባዕሉ ክሽፍን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
“ዋላ’ኳ፡ ኣነን ኣባላት ስድራይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገበርናዮ ጌጋ እንተዘየለ፡ ብሰንኪ’ቲ ጸብጻብ ኣብ ህዝቢ ዝተፈጥረ ቅሬታ እርድኦ እየ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንነየው ወርሓዊ ወጻኢታት ስድራይ ካብ ጅባይ ክሽፍኖ ወሲነ ኣለኹ፡” ኢሉ።
ነዚ ውሳነኡ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዝርከቡ ሰበ ስልጣንን ንቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ “ናብዚ ሓላፍነት ዝመጻእኩ፡ ፍሉይ ክብሪ ደልየ ወይ ድማ ገንዘብ ክረክብ ኢለ ኣይኮነን። ኣብዚ ወንበር ዘለኹ ንህዝቢ እስራኤል ከገልግል ጥራይ እዩ፡” ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ወርሓዊ ወጻኢታት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ምስ ናይዚ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር እንክነጻጸር ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ይገልጽ።
ቤንያሚኒን ናታንያሁ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣዝዮም ክቡራት ኣቑሑ ይገዝእን ኣዝዮም ክቡራት ኣብያተ ምግቢ የዘውትርን ከምዝነበረ፣ ካልእ ተሪፉ ጸጕሩ ብልዑል መጠን ገንዘብ ይቕምቀም ከምዝነበረን ሓያለ ማዕከናት ዜና ይጽብጽባ ነይረን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቤንያሚን ናታንያሁ፡ ወጻኢታት መግቢ ስድራኡ ወርሓዊ 11 ሽሕ 100 ዶላር ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ፡ መንግስቲ ካብ ዘዳለወሉ መንበሪ ገዛ ወጻኢ፡ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቁ መንበሪ ገዛ፡ ከም ቤት ጽሕፈት ይጥቀመሉ’ኳ እንተሎ፡ ካብ ነቐፌታ ከምልጥ ግን ኣይከኣለን።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቻናል 13 ቲቪ፡ ዝተበሃለ ማዕከን ዜና ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንውልቀ ሰራሕተኛታቱ ዝኸፍሎ፡ ንጽሬት፡ ከምኡ’ውን ንምግቢ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘባኽን ዘመልክት መደብ ኣቕሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን፡ ብፌስቡክ ገጹ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ከምዚ ዓይነት ካብ ግብሪ ዜጋታት ዝቝረጽ ወርሓዊ ወጻኢታት፡ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ኣዝዩ ከምዝጐደለ ብምግላጽ፡ እቲ ጸብጻብ ከምዘስሐቘ ገሊጹ።
መንግስቲ ንውልቁ ምግቢ ዘዳልዉ ከሸንቲ’ኳ እንተቘጸረሉ፡ ሽዱሸተ ኣባላት ንዘለውዎ ስድራኡ፡ ውልቀ-ሰራሕተኛታቱን ግን ስለዘይተቘጸረሎም፡ ከም ኣማራጺ፡ ምግቢ ካብ ቤት ብልዒ ከም ዘምጽኣሎም ኣብሪሁ።
ወርሓዊ ደሞዝ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ 16 ሽሕ 500 ዶላር እዩ፤ እዚ ኸኣ፡ ዜጋታት እስራኤል ምስ ዝረኽብዎ ወርሓዊ እቶት እንክነጻጸር፡ ኣዝዩ ዝተጋነነ ዝበሃል ኣይኮነን።
källa
BBC Tigrinja