ኣብተን ወጻእተኛታት ወይ ድማ ወለዶም ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ተማሃሮ፡ ዝመሃሩለን ቤት ትምህርታት ዝምህሩ መማህራን፡ ምስተን ካልኦት ቤት ትምህርታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ትሑት ደረጃ ብቕዓት ከምዘለዎም ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ መርመራ ይሕብሩ።
ሰኪና ዝተባህለት ተማሃሪት ብዛዕባ ናይ ሻምናይ ክፍሊ ቋንቋ ሽወደን መምህራ ኣመልኪታ፡ ብቕዕቲ ከምዘይኮነት ትገልጽ። በዚ ኣገባብ፡ ተማሃሮ፡ ምዕሩይ ዝኾነ ናይ ፍልጠት መኣዲ ክረኽቡ ስለዘይክእሉ፡ ርትዓዊ ኣይኮነን ትብል።
መርመራ ሬድዮ ሽወደን ከምዝሕብሮ፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ እናበዘሐ ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ወጻእተኛታት ብሓባር ኮይኖም ክመሃርሉ ዝኽእልሉ ሃዋሁ የናድዩ። እቶም ናብዘን ቤት ትምህርታት ዝምደቡ መምህራን ድማ ደረጃ ብቕዓቶም ምስ ካልኦት ቤት ትምህርታት ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተ ምዃኑ እቲ መርመራ ሓቢሩ።
ማርያ፡ ሓቀኛ ዘይኮነ ስም፡ ጓል 19 ዓመትን ዘይብቕዕቲ መምህር እንከላ፡ ኣብ ቦትሺርካ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ንኽትምህር ከምተመደበት ትገልጽ። እቶም ተማሃሮ፡ ዓቢ ሓገዝ ዘድልዮም እኳ እንተነበረ፡ ብወገነይ፡ እኹል ዝኾነ ሓገዝ ከበርክተሎም ከምዘይክእል ኣነ ይኹን ንሳቶምን ይርደኣና ኔሩ ትብል።
ኣብ ኩለን ቤት ትምህርታት ዝርከቡ መማህራን፡ ደረጃ ብቕዓቶም ዝተመጣጠነ እንተዘይኮይኑ፡ ንዓሌታዊ ፍልልይ ዝያዳ ከጋድዶ ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ዮቶቦሪ፡ ተሓጋጋዚ መምህር ፔዳጎጊ ዝኾነ ኦሲ ሃንሰን ይገልጽ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባትን ሕብረተሰብን ዓቢ ሃስያ ዘውርድ እዩ ክብል ወሲኹ።