ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት፡ ብምሕጋዝን ምጉስጓስን ገበን ቅትለት ተኸሲሱ ሃዲሙ ዝነበረ ኣብ ኣርባዓታት ዝዕድሚኡ ወዲ ተባዕታይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኮቭስታ (Skavsta) ከምተታሕዘ ተፈሊጡ።
እዚ ብሰሉስ ናብ ሽወደን ብናይ ሰርብያዊ ፓስፖርት ክኣቱ ዝተታሕዘ ገበነኛ፡ ካብ ፖሊስ ሽወደን ሃዲሙ ከምዝጸንሐ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ገበነኛ፡ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ሒዙ ከብቅዕ፡ ምልከት ቋንቋ ሽወደን ብምህላዉ፡ ፖሊስ፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ርእዩ ሃገራዊ ቁጽሩ ከጻሪ ጀመረ። ከምውጽኢቱ ድማ፡ እዚ ገበነኛ፡ ኣብ ዓመተ 2011 ኣብ ሶልና፡ ስቶክሆልም፡ ዘጋጠመ ናይ ቅትለት ገበን፡ ትሓጋጋዚ ተባሂሉ ተኸሲሱ ምንባሩን ብቤት ፍርዲ ዝድለ ሰብ ኮይኑ ምጽንሑን ተሓቢሩ።