ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኔትፍሊክስ ብሳላ ተኸታታሊ ፕሮግራማት ቲቪ ሳየንስ ቊጽሪ ዓማዊሉ ብ 6.7 ሚልዮን ምዕባዩ ገሊጹ። እዚ ቊጽሪ መብዛሕትኡ ካብ ዓማዊል ስግር ባሕሪ ምምጽኡ’ውን ተገሊጹ’ሎ። “ስትሬንጅ ቲንግስ” ዝተባህለ ፕሮግራም ተኸታታሊ ሳየንሳዊ ፊልም ብፍላግ ኣዝዩ ብዙሕ ተዓዛቢ ምርካቡ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እዚ ድማ ብመንጽር መኽሰብ ንኔትፍሊክስ ዓቢ ረብሓ ኣምጺእሉ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዕዳጋ ብርኪ ኒውዮርክ ዝለዓለ ቅዳሕ ዝሸይጥ ትካል ጌርዎ ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ። እዚ ተርእዮ ካብ ዋልት ዲዝኒ ክመጾ ዝኽእል ንዝነበረ ናይ ውድድር ብድሆ ከም ዝቐረፈሉ ኸኣ ይንገር ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ዋና በዓልመዚ ፋይናንስ ኔትፍሊክስ ስፔንሰር ኒውማን “ብቊጽሪ ዓማዊል ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ሓፈሻዊ ኣሳልጦ ኲባንያና ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕራፍ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን” ኢሉ’ሎ። እቲ ኲባንያ ኣብ ራብዓይ ክፋል እዚ ዓመት ቊጽሪ ዓማዊሉ ብ 7 ሚልዮን ክውስኽ ወጢኑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።