ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ The Witness፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፡ ንኻልኣይ መዓልታ ካብ ሕትመት ወጻኢ ከም ዝኾነት ተገሊጹ።
ብሰንኪ እዚ ዕግርግር፡ ናይ ሎም ሓሙስ ሕትመት እታ ጋዜጣ ብኦንላይን ክዝርጋሕ ምዃኑ ዝገለጸት እታ ጋዜጣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምልክታ እተውጽእ ካብ ሕትመት ደው ምባላ ወሲኻ ሓቢራ።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ናዕቢን ዝምታን ንምዕጋት ክሳብ 25 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ከዋፍር ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ንጉስ ዙሉ እዚ ዝግበር ዘሎ ዕግርግር ነቲ ዝዓበየ ብሄር እታ ሃገር ዝኾነ ዙሉ ዘይምጥን ዘሕፍር ተግባር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኲሉ ሰብ ንሰላም ክሰርሕ ተማሕጺኑ’ሎ።