ብሰንኪ ሎሚ ንግሆ ዝወደቐ ከቢድ ውርጪ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ናይ ትራፊክ ዕልቕልቕ ክኽሰት፡ ከምኡውን ኣውቶቡሳትንባቡራትን ጒዕዞአን ክስርዛ ምኽንይት ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ ጽርግያ ተሽከርከርቲ ናይ ትራፊክ ጻዕቂ ከም እተኸስተ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ውርጪ ንሰሜን ወገን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን ሰብ ተሽከርከርቲ ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣተሓሳሲባ’ላ። ኣብ ዞባ ኡሬቦ ብርክት ዝበላ ዓበይቲ መካይን ብሰንኪ በረድ ተንሸራቲተን ካብ ቀንዲ ጽርግያ ከም ዘንደልሃጻ እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ ገሊጻ። ብርክት ዝበላ ተሽከርከርቲ ናብ ሳመር ጎማታት ለቢሰን ምህላወን ኣብ ዊንተር ንዝገብራኦ ጒዕዞ ሓደገኛ ይገብሮ ምህላዉ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ወሲኹ ኣተሓስሲቡ’ሎ።