ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣስታት 115 ሽሕ ሰራሕተኛታት ብሞት ከምተፈልዩ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዞም ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ን18 ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ኣብ ቅድሚ ግንባር ኮይኖም ነቲ ሕማም ክብድሁ ጸኒሖምን ኣለዉን ክብል፡ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣድናቖቱ ገሊጹ። እዞም ሰራሕተኛታት፡ ንካልኦት ሰባት ንምድሓን፡ እቲ ዝኸበረ ዋጋ፡ ሂወቶም፡ ከፊሎም።
ብኻልእ ወገን፡ ኩለን ሃገራት፡ ክሳብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 10% ካብ ዜጋታተን ክኸትባ ክኽእላ ከምዘለወን ኣዘኻኺሩ።