ጁዋን: ሞዴል ክኸውን ሓሊሙ’ውን ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ኢንስታግራም ዝልጥፎም ዝነበሩ ስእልታቱ ግና ብዙሓት ሰዓብቲ ምርካብ ይጅምሩ ምናባሮም ንሱ’ውን ኣስተውዓለ።
ሓደ መዓልቲ ሓደ ፍልይ ዝበለ ናይ ኢንስታግራም መልእኽቲ ተቐበለ።
“ሞዴል ክትኮነና ብደሊ ኔርና። ግዜ ይህልወካዶ?”
ሕጂ 23 ዝዕድሜኡ ጆዋን ሽዑ ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ እዩ ኔሩ።
“ኣመና ግር ኢሉኒ” ይብል። ገለ መፈንጠራ ዶ ይኸውን ኢሉ ድሕሪ ምጥርጣር ኣብ ዝገበሮ ፍተሻ ብ ዋና ኣካያዲ ትካል ሞደሊንግ ነመሲሲ ክስለ ከም ዝጸንሐ ፈለጠ።
ድሕሪዚ ጆኣን ናብቲ ማእከል ከይዱ ብቕዓት ዘለዎ ሞደል ከም ዝኾነ ካብኣቶም ምስምዑን ስርሑ ክጅምር ምዃኑን ተነግሮ። ኣብ ኮሎምቢያ ዝዓበየን ወዲ 14 ዓመት እናሃለወ ናብ ማንቸስተር ዝመጸን ጆኣን ናይ ቊልዕነት ሕልሙ ተጻዋታይ ኲዕሶ ክኸውን እዩ ኔሩ። ሞዴል ክኸውን እየ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣይነበሮን።
ቅድሚ ስራሕ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ ምስ ብጾቱ ናብ ሓደ ክለብ ምስ ከዱ 12 ስሕለት ዝሓዙ ሰባት ኣክበብዎም። ኣካላቱ ኣብ ሰለስተ ቦታ ብካራ ተጠቕዐ። ኣብ ርእሱን ካልእ ቦታታት እውን ማህረምቲን ጒስጢን ተቐበለ። በቲ ማህረምቲ ዘስዓበሉ ጭንቀት: ንሓሙሽተ ሳምንታት ካብ ቤቱ ኣይወጸን። ንገዛእ መልክዑ ኣብ መስትያት ምርኣይ እውን ኣጽልኦ።
ድሕሪ ግዜ ግና እቲ ትካል ሞዴል: ጆዋን: ናብ ዘለዎ ብምምጻእ እቲ ኩነታት ክመሓየሽ ከም ዝኽእልን ንሞያ ሞደልነቱ ከም ዘይጸልዎን ገለጹሉ። እቶም በሰላታት ክሳብ ሕጂ ኣለዉ።
ጆዋን እውን ሞያኡ ምስ ምቕጻሉ ካብ ጭንቀት ወጺኡ ነቲ ምስቲ በሰላ ምንባር ከም ዝተለማማደ ይገልጽ።