ብሰንኪ ኣብ ቤት ፍርዲ ሚግሬሽን ዘጋጥሙ ዘሎ ሕጽረት ብዝሒ ሰራሕተኛታት ብዓቢ ቁጽሪ ክጎድል ምዃኑ ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓድሽ መንግስታዊ ሕጊ ባጀት እዘን ቤት ፍርድታት ካብቲ ዝጠለበኦ ቀረብ ዝወሓደ ይረኽባ ስለዘለዋ እዩ። ካብቲ ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ዝግባኣና ደረጃ ብጣዕሚ ሪሕቕና ኣለና ክብል ኣብ ቦርድ ሚግሬሽን ሓላፊ ክፍሊ ውጥን ዝኾነ ሀንሪክ ሆልመር ተዛሪቡ።
እዚ ማለት ድማ እተን ቤት ፍርድታት ዝወሓደ ውሳነታት ከመሓላልፋ ምዃነን፡ እቶም ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪቦም ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ውሳኔኦም ክሳብ ዝሰምዑ ዝነውሐ ግዜ ክጽበዩ ምዃኖምን ብተወሳኺ ይሕብር። ስለዝኾነ ድማ ተወሰኽቲ መንበሪታት ክህልዉን እቶም ስደተኛታት ኣብኡ ንዝነወሐ ግዜ ክጸንሑ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ኣብ ዓመተ 2020 ክውሰኑ ዝተወጠኑ ጉዳያት ሕቶ ዑቕባ ምስ ኣብዚ ዓመት ዝተወሰኑ 21000 ጉዳያት ብምንጽጻር ብፍርቂ ክጎድሉ ከምዝኽእሉ ይግመት።