ብምኽንያት ብዝሒ ዘለዎ ቀይዲ ኣባላት ጒጅለታት ገበን ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ማእከላት መአደቢን ኣብያተ ማእሰርትን ሽወደን
ምጽባብ ብምኽሳቱ መንግስቲ ን ጸጥታ እዞም ማእከላት ቆላሕታ ክገብረሉ ዳይረክተር ጀነራል ኣብያተ ማእሰርቲን ኣገልግሎት
ኣመክሮን ማርቲን ሆንግርዮን ኣተሓሳሲቡ። ካብ 39 መእሰሪ ማእከላት ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና
ዓመት፡ እተን 33 ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕጥ ከም ዝተራእየን ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ሓቢሩ። በዚ ድማ መብጽሒ
ክፍልታት ናብ መንበሪ እሱራት ይቕየሩ ብምህላዎም፡ ኩሉ ካብ ኣባላት ስድራቤት ዝመጽእ ምብጻሕ ደው ከም ዝብል ክግበር እዩ።
ብዘይካዚ እዞም ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ዝእሰሩ ኣባላት ጒጅለታት ገበን፡ ብሓደ ከይእሰሩን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ እናሃለዉ
ካልእ መርበብ ገበን ብምፍጣር ኣብቶም ካልኦት ኣሱራት መጥቃዕቲ ከይፍጽሙን መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ።