ኣብ ቨክኾ (Växjö)፡ ሓደ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፡ ብሰንኪ ልዑል ድምጺ ዘለዎ ሙዚቃ ካብ መኪንኡ ምንጉድጓዱ፡ ካብ መኪንኡ ደው ኢላትሉ ካብ ዝነበርት ቦታ፡ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ክሰምዕዎ ብምኽኣሎም፡ ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ በጺሑ፡ ከም መቕጻዕቲ ናይቲ ዝገበሮ ጥሕሰት ሕጊ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ፡ 800 ክሮነር ከምዝቐጸዖ ሓቢሩ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
ካብ መካይን ዝስማዕ ልዑል ድምጺ ሙዚቃ ብዝምልከት፡ ኣብ ዕለት 01 ሓምለ፡ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ፡ እዚ መንእሰይ፡ ናይ መጀመርያ ብቤት ፍርዲ ዝተቐጽዐ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ጉድለት፡ 6 ሰባት ተቐጺዖም እኳ እንተነበሩ፡ ዝቐጸዕም ኣካል፡ ፖሊስ ትራፊክ ምንባሩ ይግለጽ።
እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ንኣባላት ፖሊስ ትራፊክ፡ ኣብቲ ናይ ጥሕሰት ቦታ እንከለዉ፡ ክቐጽዑ ዘኽእሎም ስልጣን ዝህብ እዩ።