ኢጣልያ፡ ኣብ 1861 ተዋሃሂዳ ሃገር ካብ ትኸውን ንደሓር፡ ኣብዚ ዓመት እቲ ዝተሓተ መጠን ወሊድ ከም ዝመዝገበት ይግለጽ ኣሎ።
ድሕሪ ኣብ 2008 ዝተኸስተ ፋይናንሳዊ ቅልውላው፡ መጠን ወሊድ፡ እናንቈልቈል ክመጽእ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ነዚ ኲነታት ኣጋዲድዎ ምህላዉ ተገሊጹ።
ክልቲኦም መጻምድቲ ብሓባር ኣብ ገዛ ይውዕሉ ብምህላዎም መጠን ፍትሕ ምውሳኹ ዘመልክተ እቲ ሓበሬታ፡ ብሓፈሻ መጠን ወሊድ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ይርከብ ኣሎ ኢሉ። ዝሓለፈ ዓመት 400 ሽሕ ዝኸውን ካብ ህዝቢ ጥልያን ምሟቶም ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ኣመና ምጒዳል መጠነ ወሊድ ተወሲኹ፡ ኣብ ቊጽሪ ህዝቢ ኢጣልያ ምጒዳል ይኽሰት ምህላዉ ተመልኪቱ።