ኲሎም መምርሒታት ለበዳ ካብ ዝለዓሉ: ወርሒ እኳ እንተመልኡ: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ መኽሰብ ሲነማታት ምስ ግዜያት ቅድሚ ለበዳ እንክወዳደር ብፍርቂ ምንካዩ ተገሊጹ።
ብመሰረት ካምስኮር ዝተባህለ ክኢላ ቦክስ ኦፊስ: ከምኒ Black Widow ከምኡውን Fast & Furious ዝበላ ፊልምታት ክሳብ 65.7 ሚልዮን ፓውንድ መኽሰብ ከም እተረኽበን: እንተኾነ ግና ኣብ 2019 (ቅድሚ ለበዳ) ክሳብ 129 ሚልዮን ፓውንድ ኣታዊ ይርከብ ምንባሩ ሓቢሩ። ይዂንምበር: ሲነማታት በዚ ዝርከብ ዘሎ ኣታዊታት “ኣዝየን ዕጒባት” ምዃነንን ናብቲ ናይ ቀደም መኽሰበን ክምለሳ ምዃነን እምነት ከም ዘለወን ገሊጸን ኣለዋ።
ኣብ ኣሜሪካ እውን: እቲ ኲነታት ተመሳሳሊ ከም ዘሎን ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ሳምንቲ ዝተመዝገበ ተዓዛባይ ሲነማ ምስ ቅድሚ ለበዳ እንክወዳደር 51% ጥራይ ምዃኑን ተሓቢሩ። ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ምርኢት ክውንዘፋ ተጌረን ዝንበራ ፊልምታት: ሕጂ ይፍነዋ ኣለዋ ዝበለ ሓበሬታ ቢቢሲ: እንተኾነ ግና ከምቲ ቅድሚ ለበዳ ዝነበረ መኽሰብ ከም ዘይረኽባ ኣመልኪቱ።
ኣብ ብሪጣንያ: ሽዱሽተ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸባ ፊልምታት እዘን ዝስዕባ እየን
1. Peter Rabbit 2
2. Black Widow
3. F9: The Fast Saga
4. A Quiet Place II
5. The Suicide Squad
6. Space Jam: A New Legacy