ምምሕዳር ነይንስሃመን፡ ህንጻ ከሐድስ መደብ ምስ ሓዘ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ምውዕዋዕ (ሓበሬታ) ምስ ሓንቲ ናይ ህንጻ ኩባንያ ተሰማሚዑ። እቲ ምምሕዳር፡ ዘይምእኩልን ቀጥታዊ ዕድጊን ብምፍጻሙ፡ ናይ 1.5 ሚልዮን ክሮነር መቕጻዕቲ ንክኸፍል ብሽወደናዊ በዓል መዚ ጨረታ ተሓቲቱ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019፡ እቲ ምምሕዳር ሓንቲ ቅድመ-ትምርህቲ ትርከቦ ንብረት ዝሓቖፈ ናይ ክራይ ውዕል ከምዝኣተወን፡ እታ ቅድመ-ትምህርቲ ከም ብዙሕ ክፍልታት ዝሓቖፈት መንበሪ ኮይና ንኽትወሃሃድ መደብ ከምዝገበረን ይዝከር።
ብዘይ ምውዕዋዕ ዝግበር ቀጥታዊ ውዕላት ብቐጻሊ ይረአዩ ኣለዉ። ብፍላይ ድማ ህንጻዊ ውዕላት። እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ብቐጥታ ንዓና ስለዝምልከተና ድማ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ክብል ዳይሬክተር ጀነራል በዓል መዚ ጨርታታት ሽወደን፡ ሪሻርድ የርምሰን፡ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።
በዓል መዚ ጨረታታት ሽወደን፡ እቲ ምምሕዳር መቕጻዕቲ ክኸፍል ንዝሃቦ ውሳነ ንኸፈጽም፡ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ክኸይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።