ኣብ ዓመተ 2013፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት፡ ባርዕ ብምኽሳት፡ 242 ሰባት ንኽሞቱ ጠንቂ ዝኾኑ ኣርባዕተ ሰባት፡ ንንውሕ ዝበለ ማእሰርቲ ከም ዝፈረደ ቤት ፍርዲ ብራዚል ገሊጹ።
ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ከተማ ሳንታ ማሪያ፡ ኪስ፡ ኣብ ዝተባህለ ለይታዊ ትልሂት ዝሰርሑ ኣባላት ባንድ ንምዝንጋዕ ክብል ዝወልዕዎ ሓዊ፡ ንናሕሲ እቲ ኣዳራሽ ብምብራዕ ነቲ ሓደጋ ክስዕብ ከም ዝገበረ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። ዝበዝሑ በቲ ሽዑ ዝሰዓበ ጽቕጥቅጥን ዒግታ ትክን ተዓቢሶም እዮም ሞይቶም። በዚ ድማ፡ ዋና እቲ ለይታዊ ትልሂትን ክልተ ኣባላት እቲ ባንድን በዚ ጃምላዊ ህልቂት ተሓተቲ ከም ዝኾኑ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ’ሎ።
እቲ ኣዳራሽ ክልተ ጸበብቲ መውጽኢታት ጥራይ ከም ዝነበሮን ምንም ናውቲ መጥፍኢ ሓዊ እውን ከም ዘይነበሮን ፖሊስ ኣመልኪቶም። ዝበዝሑ ግዳያት ኣብ ክሊ ዕድመ 17-30 እዮም ኔሮም።