ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጃንሰን ብሰኑይ ናብ ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳ ዳናልድ ታስክ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ድሕሪ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ውዕል ብረግዚት ዝነበረ ሴፍቲ ኔት ንምትካእ እማመ ምቕራቡ ተገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ናብ ታስክ ዝለኣኾ ደብዳበ ነቲ ሴፍቲ ኔት “ዘይዴሞክራስያዊን ንሉኣላውነት ብሪጣንያ ዝጻባእን እዩ” ብምባል ክግደፍ ብኣጽንኦት ተላብዩ’ሎ።
“ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን “መለሳ ኣገባባት” ኣካል ናይቲ መፍትሒ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኣብ ዝብል ምስምማዖም ጆንሶን ገሊጹ’ሎ። በዚ መሰረት እቲ ሴፍቲ ኔት በዚኦም ክትካእ ድማ ኣብቲ እማመኡ ኣስሚርሉ’ሎ። ጆንሶን ብሪጣንያ ኣብዚ ጒዳይ ዘለዋ መትከል ከተረጋግጾ ድልውቲ ምዃናን ኣብ መንጐ ኣየርላንድን ሰሜን ኣየርላንድን ዝኾነ ናይ መፈተሺ ነቚጣ ከም ዘይተክልን ኣውሮጳዊ ሕብረት ድማ ኣሰሩ ክስዕብን ዘለዎ እምነት ገሊጹ’ሎ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ኣቐዲሚ ብቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረሳ መይ ዝተኸተመ ምውጻእ ብሪጣንያ ዳግመ ግምት ምግባር ከም ዘየፍቅድ ብተደጋጋሚ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ህሉው ናጽነት ምንቅስቓስ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ጥራይ ክዘልቅ ምዃኑን ድሕሪ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክዛዘም ምዃኑን ብሪጣንያ ገሊጻ’ላ። ብተወሳኺ ናብ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ዜጋታት ጽንክር ዝበለ ናይ ገበን ሕግታት ክትግበሩ ምዃኖም ድማ ተሓቢሩ’ሎ።