ናይጀርያዊ ኣመሓዳሪ ነበር: ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዘሰጋገሮ 5.8 ሚልዮን ዶላር (4.2 ሚልዮን ፖውንድ): ናብ ሃገሩ ክምለስ ምግባራ ሰብ መዚ ናይጀርያ ገሊጾም።
ኣመሓዳሪ ክልል ደልታ ነበር: ጄምስ ኢቦሪ: ካብ 2012 ኣትሒዙ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ከም እተኸሰሰ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ካብታ ብዕደና ነዳዲ ዝበልጸገት ክልል፡ ክሳብ 165 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰረቐ ዓቀብቲ ሕጊ ይገልጹ። ዛጊት ብስም በዓልቲ ቤቱ፥ ሓብቱን እሙን ወኪሉን ዝጸንሐ 5.8 ሚልዮን ዶላር ተመላሲ ኮይኑ ከምዘሎን እዞም ሰባት እውን ኣካል ናይዚ ክሲ ምዃኖም ተመልኪቱ። እንተኾነ ግና ካብዚ ዝበዝሕ ገንዘብ ካብ ኢቦሪ ክርከብ ከም ዝከኣል ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።
ዋና ኣኽባር ሕጊ ናይጀርያ፡ ኣቡበከር ማላሚ፡ ንምምላስ እዚ ዝተራሰየ ገንዘብ ብሓጎስ ከም እተቐበሎ ብኣፈኛኡ ኣቢሉ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ከም መርትዖ ብልሽውና ቀሪቦም ካብ እተሃገሩ ንብረታት ኢቦሪ ሓንቲ ቦምባርዴር ቻሌንጀር ዝዓይነታ ጀት፡ ከም ትርከቦም፡ ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ።