ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብሪጣንያ: መንግስታት ኣርባዕተ ሃገራት: ካብ 12-15 ንዝዕድሜኦም ቆልዑ ቀዳማይ ዶዝ ጸረ ኮሮና ንኽወስዱ ለበዋ ምትሕልላፉ ተገሊጹ።
እዚ እንተተጌሩ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ መጠን ለበዳ ከም ዝጎድልን ብምኽንያት ሕማም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኽሩ ተመሃሮ ከም ዘይህልዉን ን ኮሚተ ክኢላታት ብሪጣንያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ: 3 ሚልዮን ቆልዑ ቀዳማይ ክታበት ፋይዘር ክወስዱ ምዃኖምን እዚ ብምጽናዕ: ካልኣይ ክታበት ክወስዱ ኣለዎም ወይስ የብሎምን ዝብል: ክውሰን ምዃኑ AFP ጸብጺቡ’ሎ።
ኣብ ብሪጣንያ: ኣስታት 134 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮና ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ። ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ክታበት ዝለዓለ እኳ እንተኾነ: ደልታ ዝተባህለ ጅርን ምጅማር ትምህርትን ነቲ ለበዳ ክስዕርር ጌሮሞ ምህላዉ እቶም ክኢላታት ወሲኾም ኣመልኪቶም።
12ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም ህጻናት ንምኽታብ: ፋይዘር-ባዮቴክ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ተቐባልነት ረኺቦም ኣለዉ።