ሩስያ ንዩክሬይን እንተወሪራ፡ ገዚፍ ቊጠባዊ ሳዕቤናት ዘለዎ እገዳታት ክወርዳ ከም ዝኽእል ጸሓፊት ጒዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ሊዝ ትራስ፡ ኣጠንቂቓ።
ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ 7 ሓያላት ሃገራት፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሊቨርፑል ከም ዝተራኸቡ ዝገለጸት እታ ጸሓፊት፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ክወርድ ዝኽእል ወራር ሩስያ ብሓደ መንፈስ ንምዂናን ተዳልዮም ኣለዉ ክትብል ወሲኻ ኣተሓሳሲባ።
ሩስያ፡ ካብ ከምዚ ዝበለ ወራር ክትቊጠብ ብሪጣንያ ምስ መሻርኽታ ሃገራት ብምዃን ትሰርሕ ምህላዋ እታ ጸሓፊት ገሊጻ’ላ። ሩስያ፡ ኣብ ዶብ ዩክሬይን ገዚፍ ሰራዊት ተጸግዓሉ ኣብ ዘላ እዋን ኣብቲ ከባቢ ውጥረት ሰፊኑ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ይዂንምበር፡ ሞስኮ፡ ዝኾነ ወራር ንምፍጻም ዝኾነ ውጥን ከም ዘይብላ ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌራቶ’ላ።
ኣመሪካን መሻርኽታን ኣቐዲመን ዘውጽኦኦ መጠንቀቕታ ዝደገመት ጸሓፊት፡ ታስ፡ ሃገራት ጂ-ሰቨን፡ ኣንጻር’ቲ ብሩስያ ዝግበር ዝኾነ ይዂን መርገጺ ንምውሳድ ድሉዋት ምህላወን ደጋጊማ ኣስሚራትሉ። ሩስያ፡ ወራር እንተፈጺማ ስትራተጂያዊ ጌጋ እዩ ክኸውን፥ ኣብታ ሃገር እውን ገዚፍ ሳዕቤናት ዘኸትል እዩ” ክትብል ወሲኻ ኣጠንቂቓ።
ዩክሬይን ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሩስያን ከም እትዳወብ እኳ እንተኾነት፡ ከም ቀንዲ ኣባል ሕብረት ሶቪዬት ነበር ምስ ሩስያ ብዙሕ ባህላዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር ከም ዘለዋ እዩ ዝግለጽ።