ኣልኮምፒስ ክፍሊ መደብ ዓረብ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መድያ ፈይስ ቡክ ኣቢሉ ኣብ ዝገብሮ ምእካብ ርእይቶታት ህዝቢ፡ ብዝሒ ናይቶም ህቡብነት ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ዝሻቐሉ ሰባትን ዘይሻቐሉን ሰባት ዝተቀራረበ ከምዝኾነ ሓቢሩ። እዚ ምውሳኽ ቁጽሪ ደገፍቲ (ህቡብነት) ነቲ ናይ የማናዊ ጥሩፍነት ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎ ዝንገር ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ሰልፍታት ሽወደን ክኸውን ኣኽኢልዎ ኣሎ። ኣልኮምፒስ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ርኢቶታት ህዝቢ ንምእካብ ሕትኡ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ኣቕሪቡ ነይሩ፡
• ኣብ ናይ መጨረሽታ ውጽኢት፡ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ኣብ ታሪኹ ንፈለማ ግዜ ዝለዓለ ታሪኻዊ ብዝሒ ደገፍቲ ብምምዝጋብ ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ውጽኢት ትሻቐል’ዶ?
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ድማ ልዕሊ 5000 ሰባት ርእይቶኦም ንኽህቡ ተሳቲፎም። ካብዚኣቶም እቶም 50.4% በዚ ውጽኢት ከምዘይሻቐሉ ክሕብሩ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ 49.6% ብወሰኽ ብዝሒ ሰዓብቲ ናይዚ የማናዊ ጥሩፍነት ዝምባለ ዘለዎ ሰልፊ ሻቕለቶም ከምዝዛየደ ሓቢሮም። እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ውጽኢት ኣብ መንጎ ክልተ መልስታት (እወን ኣይፋልን) ዝተሓጽረ ብምንባሩ፡ እቶም ሻቕሎት ከምዘይብሎም ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት እዚ ሰልፊ ናብ ስልጣን ናይ ምምጻእ ተኽእሎታት ከምዘይብሉን ስለዝኾነ ድማ ኣብ ፖሊሲታት ናይታ ሃገር ለውጢ ክገብር ኣይክእልን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ካብቲ ዝሃብዎ ርእይቶታት ክግምገም ይከኣል።
ናይ ገለ ሰባት ርእይቶታት ድማ ዋሕዲ ኣፍልጦ ሓደገኝነት ናይዚ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ምብጻሕ ዘጉለሐ እዩ ነይሩ። ዝበዝሐ ርእይቶታት ህዝቢ ብዝላዓለ ደረጃ ሓላፍነትን ስነ-ሞጎታዊ ትንታነን ተሰንዩ ዝተፈጸመ ምንባሩን ገለ ርእይቶታት ድማ ንምኽንያት ምውሳኽ ቁጽሪ ሰዓብቲ ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝመራመር ነይሩ።
እዚ ምውሳኽ ቁጽሪ ሰዓብቲ ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ድማ ብሰንኪ፡
• ድኽመት እዚ ሓድሽ መንግስቲ ወይ
• ድኽመት ምውህሃድ ስደተኛታት ወይ ድማ
• እቲ ሰልፊ ብመንገዲ ሕሉፍ ሃገራዊ ስምዒታት ዘለዓዕሉ ምደረታትን ህዝባዊ ፖለቲካን ኣቢሉ ንርኢቶታት ህዝቢ ከደናግር ብምኽኣሉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ።