ኣብ እዋን ሓጋይ ብምኽንያት ዕረፍቲ ዝኽሰት ሕጽረት ሰራሕተኛታት፡ ጽበት ቦታ፡ ተወሳኺ ሰዓት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክፍልታት ህጹጽ
ረድኤት ዘሎ መስርዕ ሓዊሱ፥ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሽወደን ጸቕጢ የስዕብ ከም ዘሎ፡ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ን
ሆስፒታላት ድሕሪ ምዝርራብ ኣረጋጊጻ። ብፍላይ ድማ ብሌኪንራን ቫርምላንድን በዚ ሽግራት ኣዝየን ከም እተጠቕዓ “ማሕበር ሰብ
ሞያ ጥዕና ሽወደን” ይገልጽ። ብዘይካዚ ኣብ ዞባታት ስኮና፡ ኖርቦተንን ከምኡ’ውን ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ
ካሮሊኒስካ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ጸቕቲ ሓዪሉ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ንንውሕ ዝበለ መስርዕ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ክብሉ
ሰብመዚ እተን ሆስፒታላት ገሊጾም ኣለዉ።
“እዚ ኲነታት ጽንኲር እኳ እንተኾነ ምስ ዝሓለፈ ወቕቲ ሳመር እንክወዳደር ግና ዝሓሸ እዩ” ክትብል ኣብ ዮተብሪ ኣብ ዝርከብ
ሆስፒታል ግራንትስካ ኣካያዲት ስራሕ ሜሪ ታርንጋ ትገልጽ። እዚ ኲነታት ጽንኲር እዩ እንተኾነ ግና ዘይስገር እውን ኣይኮነ ክብል
ማሕበር ኣስራሕቲ፥ ማሕበር ሰብመዚ ውሽጢ ሃገርን ዞባታትን ገሊጹ’ሎ። እዚ ከምዚሉ እናሃለወ ፡ ሓያሎ ሰብ መዚ ጥዕና
ዞባታት፡ ተጻጊሞም እውን ይዂን ን ሕሙማት ዘድሊ ክንክን ይህቡ ከም ዘለዉ ይዛረቡ።