ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ “ፐንደልታግ” ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባቡር ዝሰርሑ ኣውቲስቲ፥ ቊጥዐ ዝመልኦ ኣድማ
ብምጅማሮም ሎሚ ዝህሉ መጓዓዝያ ምድንጓይ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ምኽንያት ናይዚ ተግባር፡ ተሓጋገዝቲ ባቡር
ንምእላይ ዝተበጽሐ ውሳነ፥ ን ኣውቲስታ ባብር በይኑ ንኽሰርሕ ዝገብር እዩ ዝብል እዩ። ጠለብ እዚ ኣድማ ብሓጺሩ እዞም
ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታ፡ ኣገዳሲ ናይ ድሕነት ዕማም ስለ ዝፍጽሙ ብዝቐልጠፈ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ምዃኑ፡ ኣብዚ ኣድማ ካብ
ዝሳተፉ ዘለዉ ኣውቲስት ባቡር ሓንቲ ዝኾነት ሱዛን ኦልሰን ትገልጽ። ኣቐድም ኣቢሉ፥ ቦርድ ዞባ ሽወደን ነዞም ተሓጋገዝቲ
ብካሜራታት ንምትካእ ውሳነ ምትሕልላፉ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ፥ ካብ ምጅማር ዝሓለፈ መጋቢት ኣትሒዘን፥ ዳርጋ ፍርቂ ካብ
ባቡራት “ፐንደልቶግ” ብዘይ ተሓጋገዝቲ ክሰርሓ ምጽንሐን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።
ኣብ MTR ኣካያዲ መራኸቢታት ኒከላስ ኤክስትሮም፡ እዚ ኣውቲስቲ ባቡር ዘካይድዎ ዘለዉ ኣድማን ምኽንያቱን ከም
ዘይሰማማዓሉ እዩ ዝገልጽ። ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታት ብካሜራታት ምትክኦም ንሓደጋ ኣየቃልዕን እዩ፥ መዓልታዊ 400 ሽሕ
ጒዕዞታት ብዘይ ተሓጋገዝቲ ይካየዱ ኣለዉ” ክብል ነቲ ስግኣት ኣዋዲቕዎ’ሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣድማ ብልክዕ ክንደይ ዘወርቲ ባቡር ይሳተፉ ኣለዉ፥ እዚ ኣድማ ክንደይ ዝኣክል ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ
ዝብል ንጹር ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግና “ኦፐሬተር” MTR ተጓዓዝቲ ዝኽእሉ እንተኾይኖም መንገዲ ክመርጹ ተላብዩ’ሎ።