ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ብምኽንያት ምዕጻው ስርዓተ ገለርያ “ኖራ ላንከን”፡ ኣብ ስቶክሆልም ዕልቕልቕ ትራፊክ ከም እተኸስተ
ተገሊጹ። ብምኽንያት እዚ ጻዕቂ ትራፊክ ካብን ናብን መስመራት E4 ን E20 ዝግበር ጒዕዞታት ተኣጓጒሉ ምንባሩ ተሓቢሩ ።
ኣብዚ ጋለርያ ብምኽንያት እተኸስተ ምቊራጽ ጸዓት ናይ ምውጽኢ ኣንፈታት፡ መርውሕ (ቨንቲለተር) ከምኡውን መመላለሲ ማይ
ዝናብ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ብምንባሮም፡ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን እንተተኻእሉ ክሳብ እዋን ምሳሕ ነዞም ጎደናታት
ካብ ምጥቃም ክቚጠቡ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።