ከም ኲለን ሃገራት፥ ሽወደን እውን ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ዝስዕብ ጫፍ ዝወጸ ኲነታት ኣየር ብኸመይ ከም እትምክት
ተመኲሮ ትቐስም ምህላዋ ተሓቢሩ። ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ጌይላ፥ ኣብ 2021 ብ ብርቱዕ ውሕጅ
ተጠቒዓ፥ ብዙሓት ኣባይቲ፡ ቢዝነሳትን መሰረተ ልምዓትን ምዕናወንን፡ ንጽገና ኸኣ ብዙሕ ክሳራ ምስዓቡን ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ።
‘ንብረት ከዕኑ ዝኽእል ክሊማዊ ለውጢ ብዝምልከት ዘሎ ንቕሓት፥ እናወሰኸ ዝመጸ ኮይኑ ይስማዕኒ” ክትብል ዋና ኣማኻሪት
ማሕበር ንግድ “ንብረት ሪል-እስቴት” ዮሃና ሞበራ ኣመልኪታ። ጫፋት ክሊማ ክኽሰቱ ዝገብር ዘሎ ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና ብ
“ሪል እስቴት” እንታይ ዓይነት ኣባይቲ ክህነጹ ኣለዎም ንዝብል እውን ይጸሉ ምህላዉ ሞበራ ገሊጻ።
“ውጥን ከተማ ዘዳልዉ ሰባት፥ ህንጻታቶም ጥቓ ገምገም ዶ ወይስ ኣብ ካልእ ቦታ ክስርሑ ኣለዎም ኣብ ዝብል ዘለዎም ንቕሓት
እናሰሰነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ርግጽ’ዩ፥ ኣብ ከተማታት ብዙሕ ምህናጽ ሓደጋኡ ግሁድ ይኸውን ኣሎ፥ ምኽንያቱ ዕልቕልቕ ማይ
ምስ ዘጋጥም ብቐሊሉ ከይጠፍእ ይኽእል እዩ” ዝበለት ሞበራ፥ በዚ ድማ “ናይ መድሕን ክፍሊት ብምኽንያት እዚ ሓደጋታት
ክውስኽ ይኽእል እዩ ብዝብል፥ ኣብ ኣባላት ማሕበር ሻቕላ እናዓበየ ምምጽኡ” ወሲኻ ሓቢራ።
እዚ ሻቕላ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ ንምርግጋጽ፥ ሬድዮ ሽወደን ምስ ምስ ሕላፊት ካሕሳ ኣባይቲ ያኒ ሉድልስ ተወኪሳ ኔራ። ንሳ
“ኲልና ሓላፍነት ምውሳድ ከድልየና እዩ” ድሕሪ ምባል፥ መሬት ተረኽበ ኢሎም ሰባት ንሓደጋ ሰንኮፍ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣባይቲ ካብ
ምህናጽ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲባ’ላ።