ክሳብ ዕለት 30 ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽነብሩ ፍቓድ ዝሓተቱ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክሳብ ሽዱሽተ ሚልዮን ምብጽሑ ዓዲ እንግሊዝ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ካብዞም መንበሪ ፍቓድ ዝሓተቱ ዜጋታት፡ ናይ 5.5 ሚልዮን ሰባት፡ ጉዳዮም ከምዝተራእየን ናይ 4% ድማ ሕቶኦም ዝተነጽገ ወይ ድማ ዝተሳሕበ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኾኑ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ዝነበሩ፡ ጠለብ መንበሪ ፍቓድ ከምዘቕረቡ ኣይተፈልጠን።
ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ኮይኖም፡ ቅድሚ 31 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ይቕመጡ ከምዝነበሩ መረጋገጺ ከቕርቡ እንተድኣ ክኢሎም፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምስራሕ፡ ትምህርቲን ካልእ መስላቶም ዝተሓለወ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ክሳብ ሕጂ ሕቶ ነባርነት ዘይቕረቡ ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾኑ ዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት፡ ጠለቦም ከቕርቡ ከምዝግባእን እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ስራሕ፡ ሕክምናን ካልእ መሰላትን ክንፈጎም ምዃኑ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሓቢራ።
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ንዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምንባር መሰሎም ካብ ምንጻግ፡ ፍቓድ ንኽትህቦም ቀዳምነት ገይራ ከምእትሰርሕ ኣፍሊጣ።