ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝርከብ ሓድሽ ቅየሳ ርእይቶ ይሕብር። ብ21.5% ተሓጊዙ ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ናብ ካልኣይ ደረጃ ድሕሪ ምዝላሉ ንኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝርከብ ሰልፊ ሞደራትና ብ 3.2% ሓሊፍዎ። ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራስያዊ ብ26% ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይርከብ። ተለቪዥን ሽወደን ብመንገዲ ኖቮስ ኣብ ዝረኸቦ ውጽኢት ድህሰሳ ርእይቶ ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክሰርዖ እንከትሎ እንተ ኣፍቶንብላደት ዝረኸቦ ውጽኢት ቅየሳ ርእይቶ ግን ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ብምስርዑ ውጽኢት ቅየሳ ርእይቶታቶም ዝተፈላላየ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ዝተገብረ ምርጫ ጀሚሩ ብዝሒ ህዝቢ ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ብ 4% ወሲኹ። ሎሚ ኣብ ኦርብሮ፡ ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ሃገራዊ ጉባኤኡ ክጅምር እዩ። ናይ ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ውጽኢት ብሰንኪ ጎስጋሰ ናይቲ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ ብሰንኪ ኣብ ሰልፊ ሞደራትና ዘጋጠመ ናይ ድምጺ ምኽሳር ምዃኑ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኖቨስ (Novus) ዝኾነ ቱርቢዮሮም ኾስትሮም (Torbjörn Sjöström) ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
ብመሰረት ውጽኢት ቅየሳ ርእይቶ፡ ድምር ናይ ክልቲኦም ሰልፍታት፡ ማእከላይ ሰልፍን ሊበራላዊ ሰልፍን፡ ካብ ዓሚ ዝነበሮ 47% ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ናብ 42% ወሪዱ። ብመሰረት ካብ ኖቨስ ዝተረኽበ ውጽኢት ቅየሳ ርእይቶ እቲ ድሕሪ ሰልፊ ስቫርያዲሞክራት ተሰሪዑ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐ ጸጋማዊ (ቬንስተር) ሰልፊ ዝረኸቦ ውጽኢት ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናይ መጨረሽታ ዝተሰላሰለ ምርጫ ብዝሒ ሰዓብቲ’ዚ ሰልፊ ብ 9.3% ወሲኹ። ዝሕታለ ሊበራላዊ ሰልፊ እናቐጸለ ናብ 3.4% በጺሑ ኣሎ።
ምርጫ ሎሚ እንተተኻይዱ እዚ ኣሃዝ ናብ ፓርላማ ከእትዎ ከምዘይክእል ብሩህ እዩ። ውጽኢት ቅየሳ ርእይቶ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡
• Social demokraterna: 26,0% (+0,2) •
Vänsterpartiet: 9,3% (+0,9)
• Miljöpartiet: 4,8% (-0,2)
• Moderaterna: 18,3% (-1,2)
• Liberalerna: 3,4% (-0,3) •
Centerpartiet: 7,8% (-0,7) •
Krist demokraterna: 7,1% (+0,1) •
Sverige demokraterna: 21,5% (+1,0) •
Övriga: 1,8% (+0,2)