ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ሽወደን ዋሕዲ ኣባይቲ እኳ እንተሎ ብመስረት ኣቀደሙ ዝተቀጠነ ገና 2 ሽሕ ኣባይቲ ኣይተሃነጹን ተባሂሉ። ካብ 26 ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን እተን 16 ኣብ ዓመተ 2018 ንኣባይቲ ዝምልከት ካብ ኣኻእሎአን ንላዕሊ መብጽዓታት ምእታወን ድማ ካብ ዞባ ስቶክሆልም ዝተረኸቡ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። እዚ ኣብ 2018 ዝተኣትወ ውጥን 17529 ኣባይቲ ንምህናጽ እኳ እንተነበረ እታ ዓመት ኣብ ምውዳኣ 15176 ገዛውቲ ድሉው ምንባሩ ጋዜጣ ሚት ኢ ስቶክሆልም ሓቢራ።
ምምሕዳር ከተማ ቲረሶን ነዚ ውጥን ኣብ ምፍጻም ዝደኸመ ስሉጥነት ምርኣያ ድማ ተመልኪቱ። ካብ ዝተወጠኑ 659 ኣባይቲ 12 ጥራይ እየን ተሃኒጸን። ኣብ ኤኻሮ ክህነጹ ዝተወጠኑ 50 ኣባይቲ እኳ እንተነበሩ 358 ኣባይቲ ምህናጾም ከኣ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ዓመተ 2018 ኣስታት 5523 ኣባይቲ ምህናጾምን እዚ ድማ ምስቲ ዝተወጠነ እንክረአ ብ 400 ዝወሓደ ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ካብ ኲለን ብፍላይ ምምሕዳር ከተማ ሶደርታልየ ምዕዋታን ካብቲ ውጥን ዝያዳ 200 ኣባይቲ ምህናጻን ድማ ተመልኪቱ።