ብፖሊስ ዝድለ ዝነበረ ሰብ ኣብ ኦብሳላ ዝርከብ ጨንፈር ናይ ኢክያ ናይ መደቀሲ ዓራውቲ መርኣይ ክፍሊ ተሓቢኡ ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ። እቲ ብፖሊስ ዝድለ ዝነበረ ሰብ፡ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ክፍሊ መርኣይ መደቀሲ ዓራውቲ ካብ ኣባላት እቲ ክፍሊ ከይተርኣየ እዩ ኣብ ዓራት ደቂሱ ተረኺቡ ክብል ወሃብ ቃል ፖሊስ’ቲ ከባቢ፡ ቶብያስ ኣህልን፡ ሓቢሩ።
ሰራሕትኛታት’ቲ ትካል ንግሆ ስራሕ ኣብ ዝኣተውሉ ግዜ፡ ኣብ ክፍሊ መርኣይ መደቀሲ ዓራውቲ ሰብ ከምዘሎ ምስ ኣስተብሃሉ ንፖሊስ ከምዝሓበሩን ብኡ ንብኡ ድማ ከምተታሕዘ ተሓቢሩ። መንነቱ ምስ ተጻረየ ድማ ብኣብ ስቶክሆልም ዝፈጸሞ ገበን ይድለ ከምዝነበረ ስለ ዝተፈልጠ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣቱ ተገይሩ። እቲ ገበነኛ ተሓባባራይን ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወን ፖሊስ ሓቢሩ።