ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ላንድስክሮና፡ ሓንቲ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ፡ ንሓደ ብሓባር ምስኣ ዝቕመጥ ዝነበረ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ብምቕታላ፡ ሎሚ፡ ናይ 16 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ከምተበየነላ ተገሊጹ።
ኣብቲ እዋን’ቲ፡ እታ ጓል፡ ናብ ፖሊስ ደዊላ፡ ብጌጋ ንሓደ ሰብ ብካራ ጌራ ከምዝሃረመትን ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረት ከምዘይተረዳኣን ገሊጻ ምንባራ ጸብጻባት ፖሊስ ይሕብሩ። ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሐ፡ ሓደ ሰብ ብኻራ ኣብ ኣፍልቡ ተወጊኡ ከምዝጸነሖን ድሒሩ ድማ እታ ካራ ንልቡ ከምዝበሰዐት ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እታ ጓል፡ ነቲ መዋቲ ብጣዕሚ ከምትፈትዎን እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ድኣ እምበር ክትቀትሎ ከምዘይሓሰበትን፡ ብዓይኒ ፍቕሪ እምበር ብዓይኒ ጽልኢ ንኸይርእያ ከምዝተማሕጸነቶ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንከላ ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ ገሊጻ።