ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝተኸስተ ሽቕለት ኣልቦነት ክንዲቲ ዝፈራህናዮ ይውስኽ የሎን ክብል ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ገሊጹ። እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ካብ ስራሕ ክሰናበቱ እዮም ዝብል ሕቶ ንምምላስ ገምጋማቱ ኣብ ምጽፋፍ ከም ዝርከብ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ዝኾኑ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ምምዝጋቡ እኳ እንተሓበረ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ስራሕ እተሰናበቱ፡ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ይረኽቡ ምህላዎም ገሊጹ። ብጠቕላላ እንክረአ፡ መጠን ሽቅለት ኣልቦነት ኣዝዩ ብውሑድ ዓቐን ብምውሳኽ፡ ኣብ ክሊ 9.2% ጥራይ ምድራቱ ድማ ገሊጹ።
ሽቕለት ኣልቦነት ብውሑድ ዓቐን ይውስኽ ምህላዉ ርጉጽ እዩ ክትብል ሓላፊት ትንተና ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣኒካ ሱንዲን፡ ሓቢራ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ክንድ’ቲ ኣብ ምጅማር ወቕቲ ክረምቲ ገምጊምናውዮ ዝነበርና ወሰኽ ከምዘይገበረ ክትብል ገሊጻ።
ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክሳብ 9.4% ክበጽሕ እዩ ዝብል ትንቢት ሒዙ ምንባሩን፡ ሕጂ ግን፡ ገምጋማቱ ናብ 9.3% ምውራዱ ክሕብር እንከሎ ኣብ ምጅማር ዝመጽእ ዓመት ድማ ጥርዚ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ክንዲ 11.4% ናብ 11.2% ክወርድ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ምኽንያት ምጉዳል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ሽወደን ትኹን ዝተረፋ ሃገራት ዓለምና ብሓፈሻ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዕብየት ብምምዝጋበን እዩ። እዚ ይኹንምበር፡ ኣብ ዝቕጽል ወቕቲ ሓጋይ፡ ኣስታት 600 ሽሕ ዝበጽሑ ሽወደናውያን ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ ተኽእሎታት ብምህላዉ እቲ ጽንኩር ኩነት ቀጻሊ ክኸውን እዩ ክትብል ሳንደን ሓቢራ።
ብኻልእ መዳይ፡ እቲ ኣብ ፈለማ እዋናት ቅልውላው ኮሮና ዝነበረ ሽቕለት ኣልቦነት ናይ መንእሰያት ክጎድል ትጽቢት ኣሎ። እዚ ድማ ካብ እዚኣቶም ክንደይ ዝኣኽሉ ኣብ ዩኒቨርሲታትን ትካላት ትምህርቲን ክዋፈሩ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ዝምርኮስ እዩ ተባሂሉ።