ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ፡ ብማሕበራውን ቁጠባውን ዓቕመን ድኹማት ኣብ ዝበሃላ ከባቢታት፡ ቆጸራ ህዝቢ ከካይድ ምዃኑ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓቢሩ። እዘን ከባቢታት፡ ብብዝሒ ህዝቢ ዘዕለቕለቓ ኮይነን መብዛሕትኦም ነበርተን፡ ወጻእተኛታት እዮም።
መሰረታዊ ዕላማ ናይዚ መስርሕ፡ ኣብዘን ዝተጥቕሳ ከባቢታ፡ ቆጸራ ህዝቢ ንምክያድ እዩ ክብል ኣብ ሊበራላዊ ሰልፊ ወሃብ ቃል ጉዳያት ነባርነት ዝኾነ ሮበርት ሃና ን TT ሓቢሩ።
ነዚ መደብ ተባሂሉ፡ ብመንግስቲ፡ ናይ 43 ሚልዮን ክሮን ኣብ ናይ ዓመተ 2021 ባጀት ኣብ ናይ ዓመተ 2022 ባጀት ድማ 20 ሚልዮን ክሮን ሰሊዑ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ኣሃዱ ግብሪ፡ ናብ ኣባይቲ ኳሕኲሖም ብምእታው ቆጸራ ህዝቢ ንኽገብሩ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክውስኑን ኣብ መዝገብ ነባርነት ዝርከቡ ጌጋታት ንምርካብ ምስ ካልኦት መንግስታውያን ኣካላት ክተሓባበሩ ዘኽእሎም ስልጣን ብመንግስቲ ክወሃቦም ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዘይ ቅኑዕ ምዝገባ ነበርቲ፡ ንከም ኣድራሻ ምሻጥን ንማሕበራዊ ሓገዛት ምትላልን ዝኣመሰሉ ሽግራት ዘቃልዕ እዩ ክብል ሃና ሓቢሩ።
ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት፡ ዘይ ቅኑዕ ኣድራሻ ከምዘመዝገቡ ጸብጻባት ዝሕብርዎ እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ፡ ቆጸራ ህዝቢ ከም እንደገና ንኽካየድ ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስተርሾን፡ ጠለቡ ኣቕሪቡ።