በዓል መዚ ምክልኻል ቅዋም ጀርመን (BFV) ንሰልፊ AFD (Alternative für Deutschland) ኣብ ትሕቲ ምክትታል ከምዘእተዎ ጋዜጣታት ሱደይቱስዛይቱንን ደርሽፒኾል (Süddeutsche Zeitung and Der Spiegel) ካልኦት መርበብ ሓበሬታት ኣቃሊሐን።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ BFV ንንውሕ ዝበለ እዋን ንሰልፊ AFD፡ ኣጀንዳ ናይ የማናዊ ጥሩፍ ኣተሓሳስባ ከይህልዎ ብጥርጣረ ክዕዘቦ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ጉዳይ እቲ ሰልፊ ከም “ዝተጠርጠረ ጉዳይ” ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ምክትታል የእትይዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሰልፊ AFD፡ ኣብ ዓመተ 2013 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ነቲ ጀርመን፡ ንኤውሮፓዊ ቅልውላው ብዝምልከት ትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ክነቅፍ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብ ዓመተ 2015፡ እቲ ሰልፊ፡ ምስ ዓቃባዊ ሊበራላዊ ሰልፊ ዝነበሮ ልፍንቲ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ግሁድ ኣንጻር ናይ ኣንገላ መርኬል ትኽተሎ ናይ ስደተኛታት ፖሊሲ መርገጺ ዘለዎ ኮይኑ።