ተማሃሮ፡ ፎኲስ ጸረርታ ኣፍንጫ ምስ ዘርእዩ፡ ቤት ትምህርታት፡ ብቐጥታ ናብ ኣባይቶም ከም ዝምለሱ ስለ ዝገብረኦም ብወገን ወለዲ፡ ቁጠዐ ከምተሰምዐ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ቁጽሪ ናይቶም ንደቆም ንኽናብዩ ዕረፍቲ ዝወሰዱ ሰባት (Vab)፡ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ክውስኽ ከምተራእየ ይፍለጥ። እቲ ወሰኽ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ክሳብ 66% ምብጽሑ ተሓቢሩ።
ወደይ፡ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ ምስ ኣርኣየ፡ ቤት ትምህርቲ ንገዛ ክመልሶ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን፡ ምስታ መምህር ክረዳዳእ ፈቲነ። ብወገን እታ መምህር፡ ንኽትረዳዳእ ቅርብቲ ከምዘይኮነት ተገንዚበ ጥራይ ዘይኮነ፡ መምርሒ ተተግብር ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ክትብል ኣደ ቆልዑን ነርስን ዝኾነት ካይሳ ግራፍ ዝተባህለት ወላዲት ገሊጻ።
መምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ከምዝሕብሮ፡ ዝኾነ ተማሃራይ፡ ምልክታት ሕማም ምስ ዘርኢ፡ ቤት ትምህርቲ፡ ንገዝኡ ክመልሶ ይግደድ ዝብል እዩ። እዚ ውሳኔ፡ ንብዙሓት ወለዲ፡ ኣብ ቤቶም፡ ምስ ደቆም ኮፍ ከምዝብሉ ጌርዎም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንጉዳይ ተማሃሮ ዝምልከት፡ ኣመሓላሊፍዎ ዝጸንሐ መምርሒ፡ ክቕይሮ ተኽእሎታት ከምዘሎ ሓቢሩ። ንዝተወሰነ ግዜ፡ ምልክታት ሕማም ዘርኣየ ተማሃራይ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ዝኽእለሉ መንገዲ ክህሉ እዩ ድማ ይብል።
መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ከምዝሕብሮ፡ “ሓሚሙ ዝነበረ ሰብ፡ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምሕዋዩ፡ ንክልተ መዓልታት ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ” ዝብል ምዃኑ ኣብቲ በዓል መዚ ሓላፊት ዝኾነት ካሪን ቪስል ሓቢራ።
ንተማሃሮ መዋእለ ህጻናት ዝምልከት መምርሒ ድማ፡ “ ሓሚሙ ዝነበረ ህጻን፡ ወላ ከይሓወየ፡ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት፡ ናብ ቤት ትምህርቱ ክምለስ ይኽእል እዩ” ዝብል ክኽውን እዩ ትብል ካሪን።