ተሌቪዥን ሽወደን SVT ንፖለቲከኛ ሰልፊ ድሞክራትና ነበር ኬንት ኤኸሮት ብዘይፍቓዱ ቪድዮኡ ብምልዓሉ ናይ 190 ሽሕ ክሮነር መቕጻዕቲ በይንሉ’ሎ። ብመሰረት እቲ ቤትፍርዲ እቲ ማዕከን ዜና ዝግብኦ ክረዲት ብዘይምሃቡ እዩ እቲ ክሲ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጺሙ።
ብዙሕ ዓመታት ይገብር ኤኸርት ሰባት ኣብ ጎደናታት ስቶክሆልም ዓሌታዊ ጸርፍታት እናዝነቡ ድሕሪ ምስኣሉ ድሕሪ ክልተ ዓመታት እቲ ስእሊ ዘሪቚ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ክቀባበላሉ ከም እተራእያ ይግለጽ። በዚ ድማ ኤኸርት ካብዘን ማዕከናት ዜና ካሕሳ ክቕበል ክሓትት ምጽንሑ ይፍለጥ።