ተጣበቕቲ ሰላምን ደገፍቲ ፍልስጤምን፡ ፕረሲደንት ኣመሪካ ንእስራኤል ክሸጦ ሓሲብዎ ዘሎ 735 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር፡ ደው ከብል ጸዊዖም ኣለዉ።
እዚ መሸጣ ኣጽዋር ተመራሒ ሚሳይላት ዘጠቓልል ከም ዝኾነ ኣልጀዚራ ገሊጻ’ላ። እዚ ኣጽዋር ተጻብኦን ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብን ናብ እተዘውትር ሃገር እዩ ዝለኣኽ ዘሎ ክትብል ተሓጋጋዚት ኣደወንበር ታሕተዎት ኮሚተ ፍልስጤምን ማሕበር ጠበቓታት ንመስል ፍልስጤማውያን ኣብ ኣመሪካ፡ ሃዋይዳ ዓራፍ፡ ገሊጻ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቢልዮናት ዶላራት ናብ እስራኤል ብምልኣኽ ካብ ተሓታትነት ንኸተምልጥ ክገብር የብሉን ክብል እዚ ማሕበር ንፕረዚደንት ባይደን፡ ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ሚእቲ ዝኾኑ ጒጅለታት እንተላይ ኣብያተ ክርስትያናት ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ፥ ድምጺ ኣይሁድ ንሰላምን ካልኦትን ናብ ፕረሲደንት ባይደን ክፉት ደብዳበ ልኢኾም ኣለዉ። ንሳቶም ኣብ ደብዳቤኦም “እዚ መሸጣ ኣጽዋር፡ እስርኤል ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ንዝፈጸመቶ ተግባራት ምትብባዕ እዩ ዝኸውን” ክብሉ ነቲ መሸጣ ኣጽዋር ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
ኣመሪካ ድሮ 3.8 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ንእስራኤል ምሃባ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እስራኤል ንስርዓተ ምክልኻል ኣይረን ዶም ዝኸውን ተወሳኺ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲታ ምህላዋ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ወሲኹ ገሊጹ።