ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ መዘናኡ መራሒ ሩስይ፡ ቭላድሚር ፑቲንን ንመጀመርታ ግዜኦም ኣብ ጠረጴዛ ንኽዝትዩ ይዳለዉ ምህላዎም ተገሊጹ።
ክልቲአን ሃገራት ዝምድናአን ኣብ ዝተሓተ ደርጃኡ ወሪዱሉ ኣብ ዘሎ እዋን እየን፡ ኣብ ጀነቫ ስዊትዘርላንድ፡ ዘተ ከካይዳ ዝዳለዋ ዘለዋ። ኣብዚ ርክብ፡ ምቊጽጻር ኣጽዋር፡ እገዳን ሩስያ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ሳይበርን ፖለቲካዊ ምትእትታውን ገለ ካብ ዝዝተየሎም ጒዳያት ክኾኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ዘተ ወሳኒ ስምምዕ ክግበር እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘየለ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ይኹን እምበር፡ ገለ ንቐጻሊ ልዝባት ኣፍደገ ዝኸፍት ልዝብ ክህሉ ከም ዝኽእል ተስፋ ተነቢርሉ ምህላዉ ኣመልኪቱ።
ባይደን፡ ኣብዚ ኣኼባ ድጋፍ ኲለን ምዕራባውያን ሃገራት ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ። እዞም ክልተ መራሕቲ፡ ጀነቫ መላዘቢ ቦታኦም ክትከውን ምምራጾም ነቲ ኣብ 1985 ሬገንን ጎርባቮቭን ኣብዛ ከተማ ዝገብርዎ ዘተ ዘዘኻኽር እዩ ክብሉ ተንተንቲ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣመሪካን ሩስያን፡ ዛጊት ኣብ ሃገረን ኣምባሳደር ናይታ ካልእ ሃገር ከም ዘይብለንን ሩስያ ንኣመሪካ ኣብ ዝርዝር “ዘይፈተውቲ” ሃገራት ከም ዘእተወታን ጸብጻባት የመልክቱ።